Librería Samer Atenea
Librería Aciertas (Toledo)
Kálamo Books
Librería Perelló (Valencia)
Librería Elías (Asturias)
Donde los libros
Librería Kolima (Madrid)
Librería Proteo (Málaga)
ነቲ ናብ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘብጽሐ ናይ 1940’ታት ታሪኽ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ከም ዝኸውን ዝገብሮ ሓደ ዓቢ ምኽንያት ኣሎ። እዚ ድማ፡ ውሳኔ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንፈደረሽን፡ ማለት’ውን ውሳነ 390/V ናይ 1950፡ ወጻኢ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተኻየደን ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባረቐን ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ረብሓታትን ስትራተጂ ሓያላት ሃገራትን ስለ ዝተወስደ ኢዩ። ክልቲኡ እዚ መስርሓት እዚ፡ ነንሓድሕዱ ዝገራጮን ዘይራኸብን መስመራት ስለ ዝኽተል፡ ብሓቂ ክልተ ዝተፈላለየ ዛንታታት ኢዩ ዘዘንቱ። ኣብ’ዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ነዚ ኽልተ ማዕረ ማዕረ ዝኸደ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ፡ ማለት ነቲ ናይ ህዝብና ቃልሲ ብሓደ ወገን፡ ነቲ ኣህጉራዊ መስርሕ ከኣ በቲ ኻልእ ጠሚርና ክንገልጽ ፈቲንና ኣለና።