Librería Samer Atenea
Librería Aciertas (Toledo)
Kálamo Books
Librería Perelló (Valencia)
Librería Elías (Asturias)
Donde los libros
Librería Kolima (Madrid)
Librería Proteo (Málaga)
'ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ - ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ'፡መቐጸልታ ናይቲ 'ኣይንፈላለ፡ ኤርትራ 1941-1950' ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብሰነ 2001 ብኣሕተምቲ ሕድሪ ተሓቲሙ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ኢዩ። ኣብጊዜ ብረታዊ ቓልሲ፡ ማለት ኣብ 1987-1988፡ ክፍሊ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕህ.ግ.ሓ.ኤ፡ 'ምምሕዳር ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ'ን፡ 'መድርኽ ፈደረሽንንጐበጣ ኤርትራ ብኢትዮጵያን' ዝብላ ጽሑፋት ኣሕቲሙ ነይሩ። ሽዑ ዝነበረ ሕጽረት ሓበሬታን ውሱንነት ዓቕምን እተን ጽሑፋት ተማሊአን ንኽቐርባኣየኽኣለን። 'ኣይንፈላለ'ን እዚ ናይ ሕጂ ጽሑፍ ብዛዕባ ቐዳማይ ክፋል መድርኽ ፈደረሽንን፡ ነቲ ናይ’ቲ እዋን ሕጽረታት ኣማሊኡ ከቕርብ ፈቲኑኣሎ።ኣብ መእተዊ ናይ 'ኣይንፈላለ' ብሰፊሑ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ሓቀኛ ታሪኽኤርትራ ካብ ሰነዳት ናይቶም በብጊዜኡ ዝገዝኡዋ ወገናትን ካልኦት ናይደገ ተዓዘብትን ጥራይ ክግለጽ ዘይክኣል’ዩ። ታሪኽ ኤርትራ ብኤርትራውያንዝስራሕ ክነሱ ግን፡ ማዕረ’ቲ ናይ ገዛእቲ ሰነዳት ክሰርዖ ብዝኽእል ኣገባብከይተሰነደ ስለ ዝጸንሐ፡ ብዛዕብኡ ክጽሕፍ ዝብገስ ሰብ ብዙሕ ከም ዝጻገምክፍለጥ ይግባእ። ካብኡ ናብኡ፡ እቲ ኣብ 'ኣይንፈላለ' ሰፊሩ ዘሎ ናይ1940’ታት ታሪኽ’ኳ ይሓይሽን ገለ ምንጭታት ይርከበሉን እምበር፡ እቲናይ እዋን ፈደረሽን ፍጻመታት ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ሰነዳትስለ ዘጥፍአን ናብ ኢትዮጵያ ስለ ዘግዓዘን፡ ብሓበሬታ ዝደኸየ ኢዩ።