Senait Mesfin Piccigallo / ሮዚና ሚካኤል
Librería Samer Atenea
Librería Aciertas (Toledo)
Kálamo Books
Librería Perelló (Valencia)
Librería Elías (Asturias)
Donde los libros
Librería Kolima (Madrid)
Librería Proteo (Málaga)
መረበትካን ዓድኻን ገዲፍካ ናብ ስደት ከተምርሕ እቲ ዚኸበደ ዉሳነ ኣብ ህይወትካ ትዉስኖ ዉሳነ እዩ። ምስ ተሰደድካ መጀመሪያ ዘጋጥመካ ጭንቀት፡ ስንባደ፡ ምድንጋር ኢዩ! እቲ ዘጋጥመካ ተጽዕኖ ንኹሉ ነገር ሓደ ኢልካ ክትጅምሮ ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ዚወሰድካዮ መእተዊ ዉሳነ’ ዉን ልክዕ’ዶ እዩ ኔሩ ኢልካ ትጠራጠረሉ እዋን ዉን ኣሎ። ኩላትና በዚ መስርሕ ኢና ንሓልፍ! ዘይልመድ ከኣ ኣይኮነን። እዚኣ መጽሓፍ እንበኣር- ነቲ ዘሎ ጸገማት ስደት ትድህስስን ብኸመይ’ከ ነቶም ዘጋጥሙኻ ጸገማት ትምክቶምን ትብድሆምን ምኽሪ ትህብ እያ። ናተይ ተመክሮን ካብ ብዙሓት ካልኦት ሰባት ኣብዛ መጽሓፍ ታሪኾም ንመምሃሪ ተባሂሉ ሰፊሩ ዘሎ ዝተረኽበ ምኽርታት ከኣ ሒዛ ኣላ። ኣብዛ መጽሓፍ ትረኽቦም ትሕዝቶ:-• ኣብዚ መስርሕ ንበይንኻ ኣይኮንካን• ኣብ መስርሕ ባህላዊ ዉህደት ነቶም ዘጋጥሙኻ ዕንቅፋታት ክትብድሆም ዝሕግዙካጥበባትን ብልሕታትን• ኣብቲ ዝኸበደካን ዝጸንከረካን እዋን ብኸመይ ኢካ ዘድልዩኻ ብልሕታት ተለልዮምንትፈጥሮምን ትጥቀመሎምን• ዓድኻን ዓውድኻን ከይረሳዕካ፣ ከመይ ጌርካ ኣብ ዓዲ ስደት ከም ወዲ ዓዲ ተወሃሂድካናብራኻ ተጣጥሕን ትመርሕን• ከመይ ጌርካ ዓቕምኻን ዓቕሚ ካልኦትን ተማዕብል• ባህላዊ ምዉህሃድ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከመይ ጌርካ ተማዕብልንኣብ ስደት ዘጋጥሙኻ ሽግራት ከ ብኸመይ ትምክቶን ተዓዊትካ ትወጽእን ዝብሉትሕዝቶታት ይርከቡ።